nty alm cover art

Created Apr 18, 2026

Lyrics

እህምም



ኣቲ ናተይ ሂወት
ህህ
ናተይ  ዓለም
 ኣቲ ናተይ ናፍቖት

ህህህ


ኣቲ ናተይ ዓለም እንታይ ዝኾንኩ ይመስለኪ
ከመይ ከም ዘለኹ ኣይትሓትን ዲኺ
ከመይ ከምዘለኹ እንታይ ይኸዉን ግምትኪ
ናይ ሃጺር እዋን  ፍቕሪ ገዲፍክኒ ምስከድኪ

ህህህህ

ኣቲ ፍቕረይ
ኣቲ ናተይ ዓለም
ምስ ከድኪ ኣብ ርሑቕ ምስ ኮነ ምንባርኪ ሰፈርኪ

ልልህህምም

ንበይነይ ክጎዓዝ ዘወን ከብል ኣብቲ ናይ ፍቕርና ቦታ
ብጽምዋ ተዋሒጠ ብንብዓት ክዝክር ንኹሉ ብዓሚቕ ትዝታ
ህህ
ዝረኣኽዎ ይኹን ዝሰማዕክዎ የዘክረኒ 
ነቲ ከም ወርሒ ኣብ ጸልማት ዝበርህ
መልክዕኪ ይዝክሮ ነቲ ጥዑም ዕላልኪ


ህህህ

ይዝክሮ ነቲ ምቁር ዛንታ ዘሕለፍክዎ ምሳኺ

እእእ

ከመይ ትህልዊ ኣቲ ናተይ ዓለም
ከመይ ኣለኺ ኣቲ ናተይ ሂወት
ዝገበርኪ ኩሉ ንኽፈልጦ እቲ ናይ ፍቕሪ መቐረት
ኣሃ
ዘእተኽኒ ኣብቲ ተኣምራታዊ ሂወት
ሕጂ ናበይ ኣቢልኪ ተሰዊርኪ ተጥፍኢ ሃለዋት
ኣሲርክኒ ብናይ ፍቕሪ ሰንሰለት


ኣሃሃ

ኣቲ ናተይ ናፍቖት

ኣቲ ናተይ ዓለም እንታይ ዝኾንኩ ይመስለኪ
ከመይ ከም ዘለኹ ኣይትሓትን ዲኺ
ከመይ ከምዘለኹ እንታይ ይኸዉን ግምትኪ
ናይ ሃጺር እዋን ፍቕሪ ገዲፍክኒ ምስከድኪ
ከመይ ኮይነ መስለኪ
ትሓስቢ ትዝክሪ ዶ ከም ይህሉ ኢልኪ
ኣብ ቃራና መንገዲ ተሪፈ
ኣይ ላዕሊ ንታሕቲ

ህህ

ናተይ ሂወት
ህህ
ኣቲ ናተይ  ዓለም
ኣቲ  ናተይ ናፍቖት

ሰም ተበልኩ ዓይነይ ክድቅስ  ከዕርፍ ካብ ባሕሪ ናፍቖት
ውቅያኖስ ኮንኪ ትመጽኒ ሓምቢስካ ዘይ ውጻእ
ዓይንኺ ክዝክር ዝወስደኒ ናብ ጥልቀት ናይ ኣድማስ
ዘእተወትኒ ኣብ  ዘይድህሰስ  ዘይብጻሕ ስፍሓት
ምስ ከዋክብቲ ሰማይ ምስታ ወርሒ
ፍልይ ኢልኪ ትረኣይኒ ከምታ ዓባይ  ደማቅ ጻሓይ

ኣቲ ናተይ ናፍቖት

ድድድም

እህህም

ኣቲ ፍቕረይ ኣበይ ኮን ኣለኺ
ነብሰይ ረሲዐ ክዝክር ንዓኺ
ንቕጽበት ረኺበ ንቕጽበት ምስተፈለኹ ካባኺ
ካብ መዓሙቕ ልበይ ምውጻእ ኣቢኺ ሓንሳብ ምስ ኣተኺ
ንዘልኣለም ተሃኒጹ ትስዉር ፍቕርኺ


ኣቲ ናተይ ዓለም

እህህምም
ናተይ ሂወት


ህህህ

መንገዲ ድዪ ስሒቱ
ተጋግዩ ዘንጊዑ ልብኺ
በየናይ ሓሳብ  በየናይ መቑጸሪ
እወ በየናይ ሓሳብ  በየናይ መቑጸሪ
ነዓይ ገዲፉ ሪሒቑ ረሲዑ ቀይሩ መንገዲ

ህህ ኣሃሃ
ንስኺ ምስ ረሓቕኪ ህዋሳተይ ልበይ ከዲዑኒ ጠፊኡ ኣቢሉ ናባኺ




ህህህ

ኣቲ ናተይ ናፍቖት

ኣቲ ናተይ ዓለም እንታይ ዝኾንኩ ይመስለኪ
ከመይ ከም ዘለኹ ኣይትሓትን ዲኺ
ከመይ ከምዘለኹ እንታይ ይኸዉን ግምትኪ
ናይ ሃጺር እዋን  ፍቕሪ ገዲፍክኒ ምስከድኪ
አሰርኪ ሲኢነ ርጋጽ ናይ እግርኺ
ፍጹም ኣይረኸብኩን ዝነግረኒ ኣበይ ከመዘለኺ
እህምም

ኣሃሃ

መልሲ ዘይብለይ ኮይነ ኮይንኒ እንድዒ
ኣቲ ወ ምላሽ ስኢነሉ ኮይኑኒ እንድዒ
ኣኣሃሃሃ

ደሃይ ግበሪ ነብሰይ ከጸናንዕ ተኾነኒ መልሲ
እወ ከጸናናዕ ንነብሰይ ተኾነኒ ፈውሲ


ኣቲ ናተይ ዓለም

ህህህህህህ

ናተይ ሂወት
ህህህህ

ኣቲ ናተይ ናፍቖት

ድድ